top of page

 

 

ወዲ-ረዛን

£20.00Price
  • መጽሓፍ ወዲ-ረዛን ንፍውን መሓበራዊን ህይወት ናይ ገጠርን ኣባሻውልን ብዕሙቀት እትድህስ፣ ኣዝያ ምቅርትን ሓንሳብ ጀሚርካ ዘይትገድፍ ህብብትን ተፈታዊትን መጽሓፍ'ያ። ነቲ ኣብ ኣባ-ሻውልን ገጠርን ዝግበር ዝነበረ ብዘይቀልዓለምን ብጉሁዱን ተዘንቱ፡ ዝተፋላለየ ላህጃታት ገጠርን ከተማን ዝሓዘት ኣብ ኩሉ ደረጃ ዕድመ ብዘለዉ፡ ብፍላይ ከኣ ብመንእሰያት ኣዝያ ተፈታዊትን ኣብ ልቢ ኩሉ መንእሰይ ዘይርሳዕ ዝክሪ ዘለዋን መሳጢት ልብ-ወለዳዊት መጽሓፍ'ያ።

     

    ገለ ክፋል

     

    “ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ፡ ኣብዛ ዘለናያ ርስቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝኾነት መሬት፣ ብዙሕ እከይ ግብሪ ይፍጸም ኣሎ! ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ፡ ወዲ-ሰብ ብጽምዋ ተበሊዑ ንበይኑ ይሳቐ ኣሎ! ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ፡ ንበይና እትነብር ጐርዞ ብዝረኣየቶ ዕላል ፍቑራት ቀኒኣ፡ ብጽምዋ ትቓዝን ኣላ! ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ፡ ጀጋኑ ኣሕዋትና ብጥይት ጸላኢ ይወድቁ ኣለዉ! ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ፡ ብዙሓት ኣሕዋትና ብሰሪ ጭቈና ይስደዱ ኣለዉ! ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ፡ ብዓልቲ-ቤተይ ምስ ካልእ ሰብኣይ ደቂሳ ኣላ! ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ፡ ‘ቃሰም ሰኽራም እዩ! ኣይረብሕን እዩ!’ ኢሎም ይሓምዩኒ ኣለዉ! ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ፡ ሰባት ዳስ ሓዘን ሰሪሖም ይበኽዩ ኣለዉ! ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ፡ ዓርክ-ሕልፎት ‘ኣሽንዳይ በልየ፡ ኣሽንዳይ በልየ፣ መርዓትካ ሒዝካያ ናብ ዓደይ በልየ’ እናበሉ ካብ እንዳ ጓል ይወጹ ኣለዉ! ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ፡ ወዲ-ሰብ ካብ ዓለም ይሰናበት ኣሎ! ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ፡ ወዲ-ሰብ ስድራኡን መተዓብይቱን ናፊቑ የስቈንቍን ኣሎ! ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ፡ መርዓውቲ ቃል-ኪዳን ይኣስሩ ኣለዉ! ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ተባኢሶም፡ ንብረቶም ይማቐሉ ኣለዉ! ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ ብዙሕ ነገር ይፍጸም ኣሎ! ኣብዛ ደቒቕ እዚኣ ዶክተር ቃስም ከቢረ ሜስ ይሰቲ ኣሎ!” ብምባል ነታ ብየማናይ ኢዱ ብኽሳዳ ዓቲሩዋ ዝነበረ ብርለ፡ ኣብ ኣፉ ተኸላ።

bottom of page